Fnote Loza
መዓልታዊ ጸሎት ሾብዓተ ሰዓታት
Regular price
$10.00
Shipping calculated at checkout.
መዓልታዊ ጸሎት ሸውዓተ ሰዓታት ፡ ኣቐዲማ ኣብ ሃገረ ግብጽ ብዓረበኛ ተዳሊያ ዝተሓትመት ብምዃና ናይ ግብጽ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ምእመናትን ንጸሎት ኪጥቀሙላን ጸኒሖምን ኣለዉ።
መንፈሳዊ እምነትና ምስ ናይ ግብጽ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ስለ ዝኾነ ንናይ ኤርትራ ኦቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርድስቲያን ምእመናንን ምእመናትን መጸልዪ ንኸተገልግል ብዝብል ዓላማ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ብናይ ብጹእ ኣቡነ ሜትሮፓሊታን ባኾሚዮስ ትእዛዝ ብኣባ ቢጂማ ኣል ኣምባ ቢሾይ ካብ ዓረበኛ ናብ ትግርኛ ተተርጉማ። ስለዚ ነዞም ኣቦታት ብዝገበርዎ ኣበርክቶ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሰላሳን ስሳን፡ ሚእቲን ዓስቦም ይሃቦም።
እዛ ናይ ጾሎት መጽሓፍ ዝበዝሕ ክፋላ ካብ መዝሙር ዳዊት ዝተዋጽኣ፡ ናይ ዘውትር ጸሎት ዝሓዘት ኢያ። መዝሙር ዳዊት ኮነ ናይ ዘውትር ጸሎት ብቛንቛ ግዕዝ ይኹን አምበር ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ንቐዳሞትን ዳሕረዎትን ወለድና ናይ ኩሉ ጊዜ (ወርትግ) መጸለዪኦምን መለመኒኦምን ከም ዝነበረን ከም ዘሎን ዝፍለጥ እዩ።
ስለዚ አዛ መጽሓፍ አዚኣ ብቛንቛ ትግርኛ ዝተዳለወት ስለ ዝኾነት ብሕልፊ ግዕዝ ንዘይፈልጥ ኣማኒ ጠቓሚት ከም እትኸውን ይእመነላ።
Size
12cm x 9cm
248 pages